Maichew particleboard works p.l.c

  • Home
  • Maichew particleboard works p.l.c

Maichew particleboard works p.l.c Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Maichew particleboard works p.l.c, Performance & Event Venue, .

21/03/2024
አመራርሓ ትካላት ዓለምለኻዊ ባንኪ አምበሳን ማይጨው ስራሕቲ                 ፓርቲክል ቦርድ   ተመያይጦም። አብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዓለምለኻዊ ባንኪ አምበሳን አባላት ማና...
21/03/2024

አመራርሓ ትካላት ዓለምለኻዊ ባንኪ አምበሳን ማይጨው ስራሕቲ
ፓርቲክል ቦርድ ተመያይጦም።

አብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዓለምለኻዊ ባንኪ አምበሳን አባላት ማናጅመንት ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክልቦርድ ሓላ/ ው/ማሕበር ምይይጥ ተኻይዱ።

ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ዓለምለኻዊ ባንኪ አምበሳ ዝመፁ ላዕለዎት ሓለፍት ስራሕ ምስ አመራርሓ ትካልና ዘካይድዎ ቀንዲ ዒላማ እዚ ምይይጥ በሰንኪ ኩናት ትግራይ ተቋሪፁ ዝነበረ ክልተዊ ርክብ ብምጥንኻር በሓባር ንምስራሕ ዘተኮረ እዩ።

ዋና ስራሕ መካየዲ ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክልቦርድ ሓላ/ ው/ማሕበር አይተ አስገደ ገብረኪዳን አብቲ ምይይጥ ከምዝበልዎ ትካልና በሰንኪ አብ ትግራይ ዝፀነሐ ኩናት ከቢድ ጉሕለትን ዕንወትን ካብዝበፀሖም አሓት ኩባንዬታት ትእምት ሓደ እዩ።

ንቲ ኩናት ትግራይ ጉልባብ ብምግባር ድማ ካብ ትካልና 13 ዓበይቲ ገልባጭ ሲኖትራክን አናኡሽተይ መኻይን ተጓሕለን ከምዝተወሰዳን በሰንኪኡ ሃፍቲ ደኒ ትካልና ካብዘለዎም ከባቢታት ዕንፀይቲ ባሕር ዛፍ ንምጉዑዓዝ ከቢድ ፀገም ከምዝገጠሞ አይተ አስገለ ሓቢሮም።

አብዚ ሕዚ እዋን ማሽን ትካልና'ውን ዘለዎ ፀገም መለዋወጢ አቅሓታት ተወሲኹዎ ብዝድለ ከምርት ብዘይምኻኣሉ ወርሓዊ ደመወዝ ካብ ምሽፋን ዝተረፍ እቶት የብሉን ዝበሉ አይተ አስገለ በምኽንያት እዚ ትካልና ንስራሕ መካየዳ ዝኸውን ሕፅረት ካፒታል ከምዘለዎ አረዲኦም።

ስለዚ ኢሎም " አይተ አስገደ ዓለምለኻዊ ባንኪ አምበሳ ትካልና ካብ ወፃኢ ዓዲ ኬሚካልን መለዋወጢ አቅሓታት ንምእታው ዘለዎ ፀገም ሸርፊ ወፃኢን ሕፅረት ስራሕ መፈፀሚ ካፒታል ንምቅላል ዝሕግዝ ልቃሕ ዝረከበሉ ኩነታት ክፈጥር ድልየት ትካልና እዩ:: " ኢሎ

አቦወንበር ቦርድን ፕረዝደንት ዓለምለኻዊ ባንኪ አምበሳ አይተ
አለም አስፋውን አይተ ዳንኤል ተከስተ አብ መዐፀዊ እቲ ምይይጥ ከምዝበልዎ ትካሎም ቅድሚ እቲ ኩናት አብ ትግራይ ንዘለዋ ትካላት ማኑፋክቸርንግ ግልጋሎትልቃሕ ብምሃብ ኢንቨስትመንት ክልልና አብ ምጥንኻር ካብ ካልኦት ባንክታት ዝዓበየ አበርክቶ ክገብር ፀኒሑ እዩ።

ቅድሚ ኩናት ትግራይ ምስ ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክልቦርድ ሓላ/ ው/ማሕበር እውን ፅቡቅ ርክብ ፈጢሩ ብሓባር ይስርሕ ከምዝነበረ ሓበሩ'ሞ ንህንፀት ሓዱሽ ፕሮጀክት ፋብሪካ ፕላይውድ ዝውዕል ግልጋሎት ልቃሕ ተጠቃሚ ክኸውን ከምዝገበረ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ባንኪ አዘኻኺሮም እዮም።

ሕዚ'ውን ዓለምለኻዊ ባንኪ አምበሳ አብ ዳግመ ሕውየት ትካላት ማንፋክቸርንግ ክልልና ትኹረት ብምሃብ ክሰርሕ ከምዝተበገሰ ገሊፆም ን ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክልቦርድ ሓላ/ ው/ማሕበር ምይይጥ ዘድሊ ኹሉ ደገፍ ከምዝገበረሉ አረጋጊፆም።

እቲ ምይይጥ ድሕሪ ምዝዛሙ አባላት ጉጅለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዓለምለኸ ባንኪ አምበሳ አብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ስራሕቲ ምፍራይ ፋብሪካ ፓርቲክል ቦርድ ማይጨው ተዘዋዊሮም ዑደት ገይሮም።

ትካልና  ልዕሊ 3  ሚሊየን ብር ሓገዝ ሂቡ። ጥሪ 23/2016 = ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክልቦርድ ሓላ/ዝተ/ው/ ማሕበር  ካብተን  አሓት ኩባንያታት ትእምት ሓደ ምዃኑ ይፍለጥ።  ማይጨው ስራሕ...
01/02/2024

ትካልና ልዕሊ 3 ሚሊየን ብር ሓገዝ ሂቡ።

ጥሪ 23/2016 = ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክልቦርድ ሓላ/ዝተ/ው/ ማሕበር ካብተን አሓት ኩባንያታት ትእምት ሓደ ምዃኑ ይፍለጥ።

ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ከምተን ካልኦት ኩባንያታት ትእምት ዝተጣየሸሉ ክልተ ዓበይቲ ዒላማታት አብ ምፍፃም ዝሰርሕ ዘሎ ትካል እዩ።

እቲ ቀዳማይ ዒላማ ትካልና ዓለም ለኸ ደረጃኦምን ፅሬቶምን ዝሓለው ዝተፈላለዪ መጠንን ሩጉድን ዘለዎ ቦርድታት ብምምራት አብ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት እዛ ሀገር ብፅሒቱ ምብርካት እዩ።

እቲ ካልኣይ ዒላማ ትካልና እቲ እነምርቶ ፍርያት ፓርቲክል ቦርድ ንዕዳጋ ብምቅራብ ካብ እንረኽቦ እቶት ፀገም ሕብረተሰብ ዘቃልሉ ስራሕቲ ፕሮግራም ምግባረ ሰናይ ተግባራዊ ምግባር እዩ።

በዚ መሰረት ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ማይጨው አብ ዝሓለፉ 4 አዋሪሕ በፕሮግራም ምግባረ ሰናይ ንዝተፈላለዩ ወገናትን ትካላት ዝውዕል ከባቢ 3 ሚሊየን ብር ሓገዝ ከምዝገበረ ተገሊፁ አሎ።

እቲ ሓገዝ ካብ መንጎ ዝተገበረሎም ብሰንኪ ኩናት ትግራይ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉን ን አካል ጉድኣት ጀጋኑና ዝውዕል 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብር ከምዝርከቦ ተሓቢሩ እዩ።

ብተወሳኺ ትካልና ንመስፋፈሒ ማእኸል መሐብሐቢ አረጋዊያንን ሕሙማት አእምሮ ፍረምናጦስ 300000.00 ሓገዝ ዝሃበ እንትኸውን ኣብ ወረዳ እንዳመኾኒ ጣቢያ ሰረንጋ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከብ ስላሴ ቤተከርስቲያን መስርሒ ኮርኒስ: ማዕፃታትን መሻኹቲ ዝውዕል 200000.00 ብር ሓገዝ ሂቡ አሎ ::

ከምእውን ትካልና ኣብ ወረዳ ጣቢያ ስሞረት ሓዱሽ ንዝስራሕ ቤት ትምህርቲ ዓዲ በሪ ዝውዕል 100000.00 ብር ዝግመት 450 ወራጅ: ኬንችን ማእገር ባሕርዛፍ ሓገዝ ወፊዩ አሎ።

ኣብዚ ሰሙን እውን ትካልና ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ንመሐብሐቢ ማእኸል ጀጋኑ ውጉኣት ሴሜን ምብራቅ ግንባር ዝውዕል 455000.00 ብር ዝግመት 500 ዓራት ሳይዝ ዘለዎም ቦርድታት ብሓገዝ አበርኪቱ እዩ ።

አብዚ ቀረባ ድማ ትካልና አርሚ 24 ኮር 242 ዝተመሰረተትሉ መበል 2ይ ዓመት ንምኽባር ኣብቲ በዓል ክሳተፉ ካብ መቀለ ንዝመፁ 150 አካል ጉድኣት ተጋደልቲ መጓዓዝያ ዝውዕል 60000.00 ብር ሓገዝ ገይሩ አሎ።

ብፍላይ አብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ትካልና ዓቅሙ ፀንቂቁ ብምስራሕ ንቲ ጫፍ ብልሒ ቃልሲ መኸተ ትግራይ ኮይኑ ኣብ ግንባር ንዝተሰለፈ ጅግና ሰራዊትና ልዕሊ 20 ሚሊየን ብር ገንዘባዊን ዓይነታዊ አበርክቶ ከምዝተበረ ቅድም ክብል ከምዝተገለፀ ይዝከር።

ጥሪ 19/2016 ዓ.ም--- ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ንመሐብሐቢ ማእኸል ጀጋኑ ውጉኣት አባላት ሰራዊት ትግራይ ዝውዕል ናይ ዓራት ሳይዝ ዘለዎም 500 ፓርቲክል ቦር...
28/01/2024

ጥሪ 19/2016 ዓ.ም--- ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ንመሐብሐቢ ማእኸል ጀጋኑ ውጉኣት አባላት ሰራዊት ትግራይ ዝውዕል ናይ ዓራት ሳይዝ ዘለዎም 500 ፓርቲክል ቦርድታት ሎማዕንቲ ብሓገዝ አበርኪቱ።

ካብቶም አሓት ኩባንያታት ትእምት ሓደ ዝኾነ ትካልና ማይጨው ፓርቲክል ቦርድ ሓላ/ ዝተ/ው/ማሕበር ልዕሊ 455000 ብር ዝዋገኦም እዞም 500 ፓርቲክል ቦርድታት ብሓገዝ ዘበርከቶ ኣብ ሰራዊት ትግራይ ንሎጂስቲክ ሴሜን ምብራቅ ግንባር እዩ።

ቀንዲ ዒላማ እቲ ሓገዝ ኣብ መሐብሐቢ ማእኸል ሎጂስቲክ ሴሜን ምብራቅ ግንባር ዝርከቡ ተሓከምቲ ጀጋኑ ውግኣት አባላት ሰራዊት ትግራይ ዝተመቻቸወ ኩነታት ብምፍጣር ዝጀመርዎ ሕክምና ቀልጢፎም ዛዚሞም ናብ አሓድኦም ክምለሱ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ንምጥንኻር ከምዝኾነ ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ርኽክብ ተገሊፁ ኣሎ።

ኣብቲ ቦታ ብኣካል ተረኺቦም ትካልና ንተነፃፊ ዓራት ተሓከምቲ ጀጋኑ ውጉኣትና ክውዕሉ ዘዳለዎም 500 ቦርድታት ንተወካሊ ሎጂስቲክ ሴሜን ምብራቅ ግንባር ዘረከቡ ኢንጂነር አስገለ ገብረኪዳን ዋና ስራሕ መካየዲ ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ሓላ/ ዝተ/ው / ማሕበር እዮም።

ትካልና ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ሓላ/ ዝተ/ው / ማሕበር ህዝቢ ትግራይ ዘጋጠሞ ወራር ንምምካት ኣብ ቅድመ ግንባር ንዝተሰለፈ ጅግና ሰራዊትና መጠናኸሪ ዝውዕል ከባቢ 20 ሚሊየን ብር ዝግመት ገንዘባዊን ዓይነታዊ ሓገዝ ብምግባር ኣብ መኸተ ኩናት እጃሙ ከምዘወፈየ ቅድም ክብል ተገሊፁ እዩ።

ፅቡቅ ስራሕ እዩ::ስራሕቲ ሓገዝ ትካልኹም ከምዝቅፅል ይኣምን:: ይበል ኢልና አለና::
25/07/2023

ፅቡቅ ስራሕ እዩ::ስራሕቲ ሓገዝ ትካልኹም ከምዝቅፅል ይኣምን:: ይበል ኢልና አለና::

ሐምለ 18/ 2015=  ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ሓ/ዝተ/ው/ማሕበር  500000 ብር  ተዓዲጉ ዝተዳለወ መግቢ  በሰንኪ ኩናት ትግራይ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ወገናት ሎማዕንቲ ብሓገ...
25/07/2023

ሐምለ 18/ 2015= ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ሓ/ዝተ/ው/ማሕበር 500000 ብር ተዓዲጉ ዝተዳለወ መግቢ በሰንኪ ኩናት ትግራይ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ወገናት ሎማዕንቲ ብሓገዝ አወፊዩ::
ኣብ ከተማ ማይጨው ቤት ትምህርቲ አለም ኣብዝተገበረ ስነ ስርዓት ርክክብ ተወካሊ ስራሕ መካየዲ ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ማይጨው አይተ ገብረሂወት አብርሃ ከምዝበልዎ ትካልና ብሰንኪ ኩናት ንዝተመዛበሉ ነበርቲ ዘወፈዮ እዚ ሓገዝ መግቢ ብፍርቂ ሚሊየን ብር ተገዚኡ ተፃፂዩን ተጣሒኑ ክዳሎ ዘተገበረ 100 ኩንታል እኽሊ ስንዳይ እዩ::
እቲ ሓገዝ መግቢ ብሰንኪ ኩናት ትግራይ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ከተማታት ማይጨውን መኾኒ መዕቆቢ ጣቢያታት ተፀሊሎም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወረዳታት ዛታ: ኦፍላ: ኮረምን አላማጣ ዝውሃብ ከምዝኾነ አይተ ገብረሂወት አፍሊጦም::
ካብተን አሓት ኩባንያታት ትእምት ሓደ ዝኾነ ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ሓ/ዝተ/ው/ማሕበር ብምኽንያት እቲ ኩናት ከቢድ ጉድኣት ዝበፀሖ ' ኳ እንተኾነ ትካልና ኣብ ከቢድ ፀገም ዋላ እንተሃለወ ፀገም ተመዛበልቲ ወገናትና ብምርአይ ብዘለዎ ዓቅሚ ክሕግዝ ምውሳኑ ሓቢሮም እዮም::
ከንቲባ ከተማ ማይጨው ኣይተ የማነ ንጉስ እቲ ሓገዝ መግቢ ንቶም ተመዛበልቲ ድሕሪ ምርካቦም ኣብዘሰምዕዎ መደረ ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ብቲ ዝነበረ ኩናት ብዝበፀሖ ጉድኣት ገና ኣብ ጎደና ሕውየት ዝርከብ'ኳ እንተኾነ ካብታ ዘላቶ ነኪዮ ንተመዛበልቲ ወገናትና ኣብታ ከቢድ ናይ ፀገም እዋን ክበፀሓሎም ብምኽኣሉ አመስጊኖም::
ኣብ ዞባና ዘለው ካልኦት ትካላትን ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ኣሰር ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ተኸቲሎም ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ መዕቆቢ ጣቢያታት ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ንዝርከቡ ወገናት ዝካኣሎም ሓገዝ ክገብሩ ፀዊዖም እዮም::
ብካሊእ ወገን ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ሓ/ዝተ/ው/ማሕበር ኣብ ኩናት መኸተ ትግራይ ኣብ ጎኒ ጅግና ሰራዊት ትግራይ ተሰሊፎም ግቡኦም ፈፂሞም ናብ ገዘኦም ብኽብሪ ዝተሰናበቱ ተጋደልቲ ድሙቅ አቀባብላ ንምግባር ብ72000 ብር ዝዓደጎም 2ተ ዝሃጠሩ ከፍቲ ንምምሕዳር ከተማ ማይጨው ሎማዕንቲ አረኪቡ ኣሎ::

good work
23/07/2023

good work

ሐምለ/2015-  ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር  ካብ ሓይልታት ሰራዊት ትግራይ ብኽብሪ ንዝተሰናበቱ ጀጋኑ ተጋደልቲ  እንግዶት ዝውዕል ዓይነታዊ  ሓገዝ ክገብር እዩ::ኣ...
22/07/2023

ሐምለ/2015- ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ካብ ሓይልታት ሰራዊት ትግራይ ብኽብሪ ንዝተሰናበቱ ጀጋኑ ተጋደልቲ እንግዶት ዝውዕል ዓይነታዊ ሓገዝ ክገብር እዩ::
ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ኣብ ጎኒ ሓይልታት ሰራዊት ትግራይ ተሰሊፎም ኣብ ኩናት መኸተ ትግራይ ክሳተፉ ፀኒሖም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብኽብሪ ዝተሰናበቱን ናብ ገዘኦም ንዝምለሱ ጀጋኑ ተጋደልቲ ዞባ ደቡብ ብዝላዓለ ድምቀት ስነ ስርዓት አቀባብላ ክግበረሎም ብደረጃ ከተማ ማይጨው ዝተፈላለዩ ትካላትን ክፋላት ሕብረተሰብ ዝሳተፍሉ ምድላው ይግበር ኣሎ::
እቲ ፕሮግራም ይመርሕ ዘሎ ምምሕዳር ከተማ ማይጨው ብወገኑ ንቶም ብኽብሪ ዝሰናበቱ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ንምቅባል ዝግበር ዘሎ ምድላው ዕውት ክኸውን ትካልና ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ሓላ/ዝተ/ው/ ማሕበር ብፅሕቱ ከበርከት ንዝቀረበሉ ሕቶ አወንታዊ ምላሽ ብምሃብ ዓይነታዊ ሓገዝ ክገብር ቃል ኣትዩ እዩ::
ብዚ መሰረት ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ካብ ሓይልታት ሰራዊት ትግራይ ብኽብሪ ንዝተሰናበቱ ጀጋኑ ተጋደልቲ እንግዶት ምሳሕን ድራርን ዝውዕሉ ክልተ ከፍቲ ብብር 72000 ዒዲጉ ኣወፊዩ ኣሎ::

ፅቡቅ ስራሕ ይቀፅል
15/07/2023

ፅቡቅ ስራሕ ይቀፅል

8/11/2015- በቢ ከባቢኡ ኣብ ዝርከብ ሃፍቲ ልምዓት ደኒ  ዝበፅሕ ብርሰትን ስርቅን  ጠጠው ንምባል   ተዋዲድካ ምስራሕ ከምዘድሊ  ተገሊፁ::እዚ ዝተገለፀ   ካብ ወረዳታት ኣላጀን እንዳ...
15/07/2023

8/11/2015- በቢ ከባቢኡ ኣብ ዝርከብ ሃፍቲ ልምዓት ደኒ ዝበፅሕ ብርሰትን ስርቅን ጠጠው ንምባል ተዋዲድካ ምስራሕ ከምዘድሊ ተገሊፁ::
እዚ ዝተገለፀ ካብ ወረዳታት ኣላጀን እንዳመኾኒ ዝተውፃፅኡ ከባቢ 300 ዝኾኑ ኣመራርሓ ኩለን ጣቢያታት: ተወከልቲ ሓፋሽ ማሕበራትን አካላት ምምሕዳር ወረዳታትን ሓለፍቲ ዝተፈላለዮ ቤት ፅሕፈታት ዝተሳተፍሉ ዋዕላ ልምዓት ደኒ ኣብ ከተማ አዲሽሁን ከተማ ማይጨው ትማሊ ኣብ ዝተኻየደሉ እዎነ እዩ:;
እቶም ተሳተፍቲ ኣብቲ ዋዕላ ከምዝሓበሩ ኣብ ትግራይ በሰንኪ ዝነበረ ኩናት ስዒቡ " መንግስቲ የለን " ብዝብል ኣብ ሃፍቲ ልምዓት ደኒ እቲ ከባቢ ዘጋጠመ ስርቅን ብርሰትኣዝዩ ከቢድ እዩ :
ኣብ ክልቲኤን ወረዳታት ኣብ ትሕዝቶ ሃፍቲ ልምዓት ደኒ መንግስትን ኣብ ልምዓት አግራባት ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ሓ/ዝተ/ው/ማሕበር ዝበፀሐ ጥፋዓት ዝላዓለ ምኻኑ እቶም ተሳተፍቲ ሓቢሮም ኣብዚ ሃፍቲ ዝበፀሐ ብርስትን ስርቅን ድማ መንቀሊኡ ንሕና ኢና ኢሎም::
ብፍላይ ኣብ ዝለመዐ ባሕርዛፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዚ ግዜ ክትክኡ እዮም ዘይባሃሉ ነዊሕ ዕድመ ዘቁፀሩ ሀገር ቦቆል ኣእማትን አግራባትን ግዳይ ብርሰትን ስርቅን ብምኻን ከቢድ ጥፍኣት ከምዝገጠመ እዩ እቶም ተሳተፍቲ ዘረጋገፁ::
እቲ ዝገርም ከም ፅሕዲ ዝኣምሰሉ አግራባት እንዳቆረፅካ ዝደረቀ ዕጣን ዓውሊእ አምስልካ ናብ ዕዳጋ ይቀርብ ምንባሩ ሓቢሮም ብፍላይ ኣብ ወረዳ አላጀ ብተመሳሳሊ መገዲ ብ300 ትርሽዋ ተቆራሪፁ ዝተዳለወ ፅሕዲ ናብ ዕዳጋ ዓዲሽሁ ክኣቱ ክብል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝዋዓለ ተገሊፁ ኣሎ::
ካብ ሕዚ ጀሚሩ ዋንነቱ ብዘይገድስ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘሎ ሃፍቲ ልምዓት ደኒ ዝበፅሕ ጥፍኣት ሙሉእ ንሙሉእ ጠጠው ክብል ተዋዲዶም ከምዝሰርሑ እቶም ተሳተፍቲ ሓበሩ'ሞ ኣብዚ ህገ ወጥ ስርቂ ን ብርሰትን ተዋፊሮም ዝፀነሑ ኩሎም ናብ ሕጊ ቀሪቦም ግቡእ ቅፅኣት ክረኽቡ ከምዝሰርሑ አረጋጊፆም::
ብደኒ ለሚዖም ዝነበሩ ተመንጢሮም ንሕርሻ ዝውዓሉ መሬታት ናብ ዝነበርዎ ክምለሱን ኣብ ዳግመ ግረባ ስራሕቲ እውን ብዝላዓለ ክሳተፊ ድልዋት ምኻኖም አፍሊጦም ኢዮም::
ኣብቶም ዋዕላታት ዝተሳተፉ ተወከልቲ ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ማይጨው ብወገኖም ከምዝበልዎ" ኣብ ስራሕቲ ዳግመ ግረባን ልምዓት ደኒ እተን ወረዳታት አድላይ ዘበለ ሓገዝ ብምግባር ንምስራሕ ድልዋት ምኻኖምን እቲ ትካልካብቲ ሕብረተሰብ ዝቀርብ ዕንፀይቲ ባሕርዛፍ ብዝሓሸ ዋጋ ብምዕዳግ ተጠቃሚ ንምግባር ከምዝሰርሕ እውን አረጋጊፆም::

production Activities
12/07/2023

production Activities

ካብተን ኣሓት ትካላት ትእምት ሓደ ዝኾነ ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ሓ/ ዝተ/ ውልቀ ማህበር ንሰገናት ሰልጠንቲ ኣትሌትክስ ወረዳ እንዳመኾኒ  ዕጥቂ ስፓርቲ ሎማዕንቲ  ኣወፊዩ።ኣብ ስቴድ...
27/10/2020

ካብተን ኣሓት ትካላት ትእምት ሓደ ዝኾነ ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ሓ/ ዝተ/ ውልቀ ማህበር ንሰገናት ሰልጠንቲ ኣትሌትክስ ወረዳ እንዳመኾኒ ዕጥቂ ስፓርቲ ሎማዕንቲ ኣወፊዩ።

ኣብ ስቴድየም ከተማ ማይጨው ኣብ ዝተገበረ ስነ ስርዓት ርክክብ ከምዝተሓበረ ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ማይጨው ኣብ ወረዳ እንዳመኾኒ ንዝተወደቡ ሰገናት ሰልጠንቲ ኣትሌትክስ ብሓገዝ ዘወፈዮ ዕጥቂ ስፖርት ከባቢ 16.000.00 ብር ግምት ዘለዎ እዩ።

ብቤት ፅሕፈት ጉዳይ መንእሰይን ስፓርት እቲ ወረዳ ዝተወደቡ 20 ሰገናት ሰልጠንቲ ኣትሌትክስ ዝተውሃበ ዕጥቂ ስፓርት ንነብሲ ወከፍ ሰልጠንቲ ናይ ስፓርት ማልያ ምስ ጫማኡ ከምዝኾነ ተሓበሩ እዩ።

ኣብታ ስነ ስርዓት ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ እንዳመኾኒ ኣይተ ኣብርሃ ታደሰ ዘስምዕዎ መደረ ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ማይጨው ማሕበራዊ ፀገማት ሕብረተሰብ ከባቢና ንምቅላል ዝተጸላለየ ሓገዝ እንዳገበረ ፀኒሑ እዩ።

እዚ ትካል ሕዚውን ብፕሮጀክት ንዝተሓቀፉ ሰገናት ሰልጠንቲ ኣትሌትክስ ወረዳና ናይ ስፓርት ዕጥቂ ብምሕጋዝ ዘረኣዮ ተበግሶ ብሽሞምን ብሽም ምምሕድዳር እቲ ወረዳ ኣመስጊኖሞ እዮም።

ንሓዋሩ ኣብቲ ወረዳ ትሕቲን ልዕሊ ዕድመ 12 ሰገናት ዝሳተፍሉ ኩለ መዳይ ምንቅስቃስ ስፖርት ንምጥንኻር ዝጀመሮ ሓገዝ ከምዝቅፅለሉ ዋና ስራሕ መካየዲ ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ማይጨው ኣይተ ኣምደፅዮን ሚክኤላይ ብተወካሊኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልዕኽቲ ኣረጋጊፆም እዮም።

Address

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Maichew particleboard works p.l.c posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Videos

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Videos
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Event Planning Service?

Share